Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቻይና ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ብውሕዱ 12 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሓምለ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቻይና ኣዝዩ ብርቱዕ ዝናብ ዘስዓቦ ሓደገኛ ውሕጅ ኣብ ከተማ ሼንግዙ ብውሕዱ 12 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ኣረጋጊፆም።

ካልኦት ሄናን ኣብ ዝተባህለት ግዝኣት ጥራይ ዝነብሩ ልዕሊ 10 ሺሕ ነበርቲ ድማ ካብ መረበቶም ናብ ካልእ ክግዕዙ ከምዝተገደዱ ተሓቢሩ።

መደበራት ባቡርን መገዲታትን ከኣ ብማይ ኣዕለቕሊቖም ኣለው።

ብዙሓት ከተማታት ከኣ ፅርግያታተን ክዓፅዋን በረራታት ክስርዛን ከም ዝተገደዳ ተፈሊጡ።

ኣስታት 94 ሚልየን ህዝቢ ዝነብረላ ግዝኣት ሄናን ነቲ ዘይልሙድ መጠን ማይ ዝተረኣየሉ እዋን ዝናብ ብምስጋእ ዝለዓለ መጠንቀቕታ ሂባ ነይራ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.