Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቻይና ብዝተርኣየ ሓድሽ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና 41 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቻይና ብዝተርኣየ ሓድሽ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ቁፅሪ ህይወቶም ዝሓለፈ ሰባት 41 ምብፅሑ ተገሊፁ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ቻይና ግዝኣት ዉሃን ዝተልዓለ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና፥ ኣድማሱ ብምስፋሕ ኣብ ዝተፈላላያ ሃገራት ዓለም ከምዝተርኣየ ተዘሪቡ።

እቲ ቫይረስ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ 10 ሃገራት ዓለም ዝተርኣየ እንትኸውን፥ ካብ ውሽጢ እዚኣተን ድማ መብዛሕተአን ሃገራት ኤስያ ምዃነን ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ፥ ኣብ ቻይና፣ ጃፓን፣ ታይላንድ፣ ደቡብ ኮሪያ፣ ኣውስትራሊያ፣ ማሌዥያ፣ ኣሜሪካ፣ ፈረንሳይን ካልኦት ሃገራትን ከምዝተርኣየ ኢዩ ዝተሓበረ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ፥ ብዙሓት ሃገራት ዓለም እቲ ሕማም ናብ ሃገረን ከይኣቱ ልዑል ቅድመ ምድላው እናገበራ ይርከባ።

ኣብ ቻይና ክሳብ ሕዚ በቲ ቫይረስ 41 ሰባት ህይወቶም ዝሓለፈ እንትኸውን፥ 1 ሺሕን 300 ዝኾኑ ሰባት ድማ በቲ ሓዱሽ ለበዳ ሕማም ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ ሬውተርስ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.