Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቻይና ቫይረስ ኮሮና ኣብ ማሕበረሰብ እናተዘርገሐ ከምዘይኮነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቻይና ቫይረስ ኮሮና ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዝነበሮ ዝርገሐ ምቁፅፃር ከምዝተኽኣለ ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ትማሊ ድማ ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይተመዝገበን ተባሂሉ።

ዝሓለፈ ረቡዕ 26 ጉንበት 2012 ዓ.ም እውን ካብ ቻይና ወፃእ ዝመፅአ ሓደ ሰብ ጥራሕ ኢዩ በቲ ቫይረስ ተታሒዙ ክርከብ ዝኸኣለ።

ብሓፈሻ ኣብ ቻይና በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት 83 ሺሕን 27 በፂሑ ኣሎ።

ካብ ውሽጢ እዚኦም እቶም 78 ሺሕን 327 ሰባት ካፍቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ 4634 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 66 ሰባት ጥራሕ ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝርከብ ፀብፃብ ወርልድ ኦሜትር የመላኽት።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.