Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቻይና ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 97 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቻይና ትማሊ ዕለት ጥራሕ 97 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

እቲ ቁፅሪ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዝተመዝገበ መጠን ዝለዓለ እንትኸውን፥ ብቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሪ ናብ 908 ንኸዓቢ ከምዝበሮ እውን ተሓቢሩ።

ኣብ ቻይና በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሪ ድማ 40 ሺሕን 171 ከምዝበፅሐን እቶም 187 ሺሕን 518 ሰባት ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝርከብን ተገሊፁ።

ኮይኑ ግና፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን በቲ ቫይረስ በቢ መዓልቱ ዝተሓዙ ሰባት ቁፅሪ ምርግጋዕ ኣርኢዩ ተባሂሉ።

ሓበሬታታት ከምዝሕብሩዎ፥ ክሳብ ሕዚ ካብ ሞንጎ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት እቶም 3 ሺሕን 281 ብሓገዝ ሕክምና ድሒኖም ነናብ ገዝኦም ተመሊሶም ኢዮም።

ውድብ ጥዕና ዓለም፥ እቲ ቫይረስ ዝርከበሉ ኩነታት ብዝበለፀ ንምርማር ሰብ ሞያታት ሕክምናን ተመራመርቲን ዝሓዘ ጉጅለ ናብ ቻይና ከምዝለኣኸ ተገሊፁ።

ኣብ ቻይና ዝርገሐ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ንምዕጋት ብዝብል ሰባት ከይንቀሳቐሱን ስራሕ ንኽዕፆን ተወሲኑ ዝነበረ እንትኸውን፥ ሎሚ መዓልቲ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ዜጋታት ናብ ስራሕ ቦተኦም ከምዝተመለሱ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፡-ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.