Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቻይና ዝተርኣየ ሓድሽ ቫይረስ  ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዝመሓላለፍ ተረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቻይና ዛጊድ ኣርባዕተ ሰባት ዝቐተለን ብቕልጡፍ ይላባዕ ዘሎን ሓድሽ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክመሓላለፍ ከምዝኽእል ሰብመዚ እታ ሃገር ኣረጋጊፆም።

ብሰንኪ እቲ ነድሪ ሳምቡእ ዘኸትል ቫይረስ ወዲ 89 ዓመት ግዳይ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

እቶም በዓል ፀጋ ዕድመ ኣብታ ንፈለማ እዋን እቲ ሓድሽ ቫይረስ ዝተረኣየላ ከተማ ዉሃን ዝነብሩ እዮም ተባሂሉ።

ቤይጂንግን ሻንጋይን ኣብ ዝርከብአን ብዙሓት ከተማታት ቻይና፥ ልዕሊ 200 ግዳያት ከምዝመዝገቡ ድማ ተገሊፁ’ሎ።

ኣብ ግዝኣት ጉዋንግዶግ ዝተመዝገቡ ግዳያት፥ እቲ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዝመሓላለፍ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ሰብ መዚ ቻይና ኣፍሊጦም።

ኮሚሽን ጥዕና ምምሕዳር ከተማ ዉሃን ከምዝሓበሮ፥ ዛጊድ 15 ሰራሕተኛታት ጥዕና በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ።

ሓደ ካብኣቶም ከኣ ኣብ ፅንኩር ኩነታት ይርከብ።

ኩሎም ግዳያት ብፍሉይ ኣብ ዝተዳለወ ቦታ ክፀንሑን ክትትል ሕክምና ክረኽቡን ይግበር ኣሎ።

እቲ ቫይረስ ኣብታ ኣስታት 11 ሚልየን ነበርቲ ዝርከቡላ ከተማ ዉሃን’ዩ ተራእዩ።

ኣብ ታይላንድ ክልተ፣ ጃፓን ሓደ ከምኡ’ውን ኣብ ደቡብ ኮርያ ሓደ ረኽሲ እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ዝተረጋገፀ አነትኸወነ፥ እቶም ውልቀ ሰባት ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ከተማ ዉሃን ዝተጓዓዙ እዮም ተባሂሉ።

መዕርፎ ነፈርቲ ሲንጋፖር፣ ሆንግ ኮንግ፣ ቶኪዮ-ጃፓን ካብ ከተማ ዉሃን ኣብ ዝመፅኡ ገያሾ መርመራ እናካየዳ እየን።

ኣሜሪካ ብወገና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሳንፍራንሲስኮ፣ ሎስ ኣንጀለስን ኒውዮርክን ጥቡቕ ምርመራ ንክካየድ ውሳነ ኣሕሊፋ።

ኣወስትራልያ’ውን ካብ ዉሃን ናብ ሲድኒ ኣብ ዝግበር በረራ መርመራ ተጓዓዝቲ ተካይድ ከምዘላ ተገሊፁ።

ብዛዕባ እቲ ቫይረስ

  • ካብ ሕሙማት ዝተወሰደ “ሳምፕል” ኣብ ላቦራቶሪ ምርመራ ተኻይድሉ እዩ።
  • ሰበስልጣን ቻይናን ትካል ጥዕና ዓለምን እቲ ረኽሲ ናይ ኮሮናቫይረስ ከምዝኾነ ድማ ደምዲሞም።
  • ኮሮናቫይረስስ ናይ እኩባት ቫይረስ ስድራ ኮይኑ፤ ቅድሚ ሕዚ ድምር ሽድሽተ ቫይረሳት ነይሩ።
  • ኣብዚ ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ከኣ ሸውዓተ ኮይኖም ኣለዉ። ናይዚኦም ድምር’ዩ ኣብ ደቂ ሰባት ረኽሲ ዝፈጥር።
  • ተመራመርቲ እቲ ቫይረስ ካብ እንስሳት ዝመፅአ ክኸውን ከምዝኽእል እንተኣመኑ’ኳ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዝመሓላለፍ ተርእዮታት ኣሎ።
  • ምልክታቱ ድማ ረስኒ፣ ሰዓል፣ ሕፅረት ኣየርን ፀገም ምስትንፋስን እዮም።
  • ሰባት ምስ እንስሳት ኣብ ዘለዎም ርክብ ጥንቃቐ ክገብሩ፣ ስጋን እንቋቑሖን ብጥንቃቐ ከብስሉ፣ ምልክታት ምስ ዝተረኣዮ ሰብ ዘለዎም ምትንኻፍ ክንክዩ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ ትካል ጥዕና ዓለም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.