Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ 20/80ን 40/60 ተመዝጊቦም ገዛ ዘይበፅሖም ነበርቲ ተወዲቦም ናይ ሓባር ገዛ ምህናፅ ዝኽእሉሉ ኣማራፂ ውሳነ ሓሳብ ተመሓላሊፉ

አዲስ አበባ ፣ ነሀሴ 24 ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምንካይ ኣብ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ 20/80ን 40/60 ተመዝጊቦም ገዛ ዘይበፅሖም ነበርቲ ተወዲቦም ናይ ሓባር ገዛ ምህናፅ ዝኽእሉሉ መፍትሒ ሓሳብ ኣመሓላሊፉ።

ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መበል 30 ስሩዕ ጉባኤኡ ሎሚ መዓልቲ ኣሳሊጡ።

እቲ ካቢኔ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝተዛተየ እንትኸውን፥ ኣብታ ከተማ ዝረአ ዘሎ ፀገም መንበሪ ኣባይቲን ትርናስፖርትን ኣብ ምፍታሕ ኣድሂቡ ድማ ብዕምቆት ተዛቲዩ።

እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣማራፂ ሓሳባት ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምንካይ ኣብ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ 20/80ን 40/60 ተመዝጊቦም ገዛ ዘይበፅሖም ነበርቲ ብማሕበር ተወዲቦም ናይ ሓባር ገዛ ምህናፅ ንኽኽእሉ እቲ ምምሕዳር ከተማ መሬትን እታወትን ብምቕራብ ባዕሎም ንኸሃንፁ ኣማራፂ መፍትሒ ሓሳብ ኣመሓላሊፉ።

ፀገም ሕፅረት ትራንስፖርት እታ ከተማ ንምፍታሕ ድማ ዕድጊት 400 ኣውቶቡሳት ብፍሉይ ኩነታት ንኽትግበርን ተበላሺየን ኣገልግሎት ምሃብ ጠጠው ዘበላ 125 ኣውቶቡሳት ብህፁፅ ፅገና ተገይሩለን ኣብ ሓዱሽ ዓመት ናብ ኣገልግሎት ንኽዕላ ዝብል ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ቢሮ ልምዓት ገዛውቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀፃሊ ኣብ መምርሒ ማሕበር መንበሪ ኣባይቲን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣመልኪቱ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዝህብ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.