Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኔዘርላንድስ ዝተኸየደ ውድድር ፍረቂ ማራቶን ኣትሌት ፀሃይ ገመቹ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኔዘርላንድስ ዝተኸየደ ውድድር ፍረቂ ማራቶን ደቂ ኣነስትዮ ኣትሌት ፀሃይ ገመቹ ተዓዋቲት ኮይና።

ኣትሌት ፀሃይ ነቲ ርሕቐት ብ1 ሰዓትን 20 ደቒቓን 29 ሰከንድን ብምእታው እንትትስዕር፥ ኣትሌት ታደለች በቀለ ሳልሰይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ።

ኣብ ስፔን ዝተሳለጠ ተመሳሳሊ ውድድር ዓመታዊ ፍርቂ ማራቶን ሁዋን ሙጉዬርዛ፥ ኣትሌት ታደሰ ወርቁ ብደቂ ተባዕትዮ ተዓዋቲ ኮይኑ።

ኣትሌት ታደሰ ነቲ ርሕቐት 31 ደቒቓን 39 ሰከንድን ብምእታው ኢዩ ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጠ ውድድር ጉያ 10 ኪሎ ሜትሮ ድማ፥ ካብ ምድብ ደቂ ተባዕትዮ ካሳየ ኣፅብሃ፣ ካብ ምድብ ደቂ ኣነስትዮ ሃዊ ኣለሙ ተዓወትቲ ኮይኖም።

ፍልፍል፦ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.