Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኖርዌይ ዝርከብ ትካል ሰብሞያታትኢትዮጵያ ንዩኒቨርሲቲታት ዝኸውን 91 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኖርዌይ ዝርከብ ትካል ሰብሞያታትኢትዮጵያ ንህንፀት ዓቕሚ ሓሙሽተ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ዝኸውን 91 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዘ፥ “ኢትዮጵያን ኖርዌጃን ፕሮፌሽናል ኦርጋናይዜሽን” ዝተብሃለ ትካል ኢዩ ገይሩዎ ተባሂሉ።

ማኔጂንግ ዳይሬክተር እቲ ትካልን መምህር ኮምፒዩተር ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ሳውዝ ኖርዌይን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኣሸጋው ኣናጋው፥ እቲ ትካል ትካል፤ ተራድኦ ልምዓት ኖርዌይ ዘዳለዎ ውድድር ብምስዓር ዘረኸቦ ገንዘብ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ትካል ተራድኦ ልምዓት ኖርዌይ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ማዕበልቲ ሃገራት 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ገንዘብ ኖርይ(ክሮነር) ዘሸልም ውድድር ኣውፂኡ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ኣብቲ ውድድር ካብ ሞንጎ ዝተሳተፋ 199 ሃገራት፤ 60 ዝኾኑ ሽልማት ምርካበን ብምሕባር፥ ንኢትዮጵያ ወኪሉ ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈ ትካል ሰብ ሞያታት ኢትዮጵያ ኣብ ኖርዌይ ካብቶም ዝተሸለሙ ሓደ ኮይኑ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ትካል ኣብቲ ውድድር 20 ሚሊየን ክሮነር ወይ ድማ ብር 91 ሚሊየን ከምዝተሸለመ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ዝረኸቦ ሽልማት ንመዕበዪ ዓቕሚ ዩኒቨርሲቲታት ጎንደር፣ ጅማ፣ ሃዋሳ፣ ደብረማርቆስን ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ ንክውዕል ሓገዝ መረገረባሩ ኣብሪሆም።

እቲ ሓገዝ ኣብ ሽዱሽተ ዓመት መደብ ተግባራዊ ዝግበር እንትኸውን፥ ፍሉይ ድሌት፣ ሜዲካል ቴክኖሎጂ(ኢ-ሄልዝ)ን ምስ ኮምፒዩተር ዝተራኸቡ ክፍሊታት ትምህርቲ ኣብቲ ሓገዝ ትኹረት ኣብ ዝተውሃቦም ዓውዲታት ክውዕሉ ኢዮም።

ብተወሳኺ ድማ እቲ ትካል 45 ንዝኾኑ ተምሃሮ ማስተርስ ዲግሪን 15 ተምሃሮ ዶክትሬትን ኣብ ኖርዌይ ዕድል ትምህርቲ ናይ ምምዕርራይ ስራሕቲ ከምዝሰርሕ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.