Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኡጋንዳ ብዝተወለዐ ናዕቢ 28 ሰባት ተቐቲሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንጎ ፖሊስ ኡጋንዳን ደገፍቲ ፍሉጥ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቦቢ ዋይንን ኣብ ዝተፈጠረ ግጭት ብውሕዱ 28 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ።

እቲ ንፕሬዚዳንትነት ዝወዳደር ዘሎ ፖለቲከኛን ሙዚቀኛን ተቓዋሚ ንመምርሒታት ኮሮናቫይረስ ጥሒስካ ብዝብል ክሲ ትማሊ ኣብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምቕራቡ ብዋሕስ ተፈቲሑ’ሎ።

ሚኒስትር ፀጥታ ኡጋንዳ ኢሊይ ቱምዋይን፥ ናዕበኛታት ደረት እንተደኣ ሰጊሮም ፖሊስ ሓይሊ ክጥቀምን ክትኩስን መሰል ኣለዎ ኢሎም።

እቲ ናዕቢ፡ እቲ ፍሉጥ ኡጋንዳዊ ሙዚቀኛን ፓለቲከኛን: ቦቢ ዋይን፥ ጎስጓስ ምርጫ እናገበረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ኣተወ’ዩ ተወሊዑ።

ነዚ ፍሉጥ ሙዚቀኛን ፓለቲከኛን ሓዊስካ፥ 11 ተወዳደርቲ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ ኣንጻር ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቪኒ ክወዳደሩ እዮም።

ፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቪኒ፡ ኣብ 1986 ኢዩ ናብ ስልጣን ደይቡ።

ብማእሰርቲ ቦቢ ዋይን ዝተቖጥዑ ደገፍቱ፡ ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ካምፓላን ካልኦት ከተማታትን ጎማታትን ጎሓፍን የንድዱ ኣለው።

በቲ ዝተወለዐ ናዕቢ 11 ኣባላት ጸጥታ ተጎዲኦም ከምዘለው ሚኒስተር ጸጥታ እታ ሃገር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሓቢሩ።

ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም 28 ሰባት ሮቡዕን ሓሙስን እዮም ተቐቲሎም።

እንተኾነ፡ ማዕከን ዜና ኣሾሸይትድ ፕረስ፡ ናይ ፖሊስ ፓታሎጂስት ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓሙስ ንጎሆ ጥራይ 37 ሬሳታት ከምዝቖጸረ ሓቢሩ።

ቦቢ ዋይን፡ ፕረዚደንት ሙሰቪኒ ፍርሒ ናይ ህዝቢ ከምዘለዎ ብምኽሳስ፡ እቲ ተነቢሩ ዘሎ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ጥሒሱ ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ከምዝገብር ተመባጺዑ’ሎ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ውን፡ መንግስቲ ኡጋንዳ ንመምርሒታት ኮሮናቫይረስ ብምምኽናይ ንተቓወምቲ ሰልፍታት ኣብ ምዕፋን ተዋፊሩ ከምዘሎ ይሕብሩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.