Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢራን ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝሓሙ ሰባት ዳግም ይውስኽ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢራን ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝሓሙ ሰባት ዳግም ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ኣብዘን ክልተ መዓልታት ጥራሕ ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም።

እዚ ድማ በዝሒ ኣብታ ሃገር ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ናብ 160 ሽሕ ክብ ክብል ከምዝገበሮ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብዘን ክልተ መዓልታት 70 ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ሀይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ክሳብ ሐዚ ዝሞቱ ሰባት 8 ሺሕን 12 በፂሑ ከምዘሎ መተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኢራን ዝርግሐ እቲ ለበዳ ንምቁፅፃር ኣንቢራቶ ዝነበረት ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ኣላሕሊሓቶ እኳ እንተነበረት፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ናብ ቦትኡ ክምለስ ከምዝኽእል መንግስቲ እታ ሃገር ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.