Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምስ ዝዋፈር ኩባኒያ ቴሌኮም ወግዓዊ ስነ ስርዓት ምንባር ክታም ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ፕሬዚደንት ኬኒያ ኡሁሩ ኬንያታን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምስ ዝዋፈር ኩባኒያ ቴሌኮም ወግዓዊ ስነ ስርዓት ምንባር ክታም ተኻይዱ።

እቲ ስምምዕነት ኣወሃህባ ፍቓድ ስራሕ ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ሓዱሽ ኣገልግሎት ቴሌኮም ዝህብ ኩባኒያ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ብኹለመዳይ ምልዕዓል ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ዓውዲ ዝፍጠር ውድድር ናይ ኢትዮጵያ ዲጂታላይዜሽን ኣብ ምቅልጣፍ ኣብ ዓውዲታት ግብርና ፣ ትምህርቲ ፣ ጥዕና፣ ፋይናንስ ፣ ትራንስፖርትን ወዘተ ልዑል ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ኢንጂነር ባልቻ ሬባን ዓለም ለኸ ትሕብብር ንኢትዮጵያ ዘጣየሹ ተወከልቲ ኩባኒያታት ሳፋሪ ኮም፣ ቮዳኮምን ሱሚቶሞን ክታሞም ኣምቢረሙሉ።

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.