Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ መፍረያይነት ምድንፋዕ ናይ መረፃ ጉዳይ ዘይኮነስ ናይ ህልውና ጉዳይ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ መፍረያይነት ምድንፋዕ ናይ መረፃ ጉዳይ ዘይኮነስ ናይ ህልውና ጉዳይ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዚ ዝተገለፀ ድማ “ሃገራዊ መፍረያይነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ኣዲስ ወግ ኢዩ።

ኣብቲ መድረኽ ድማ ሙሁር ቴክኖሎጂ ኢንጂነሪንግ ኢንዱስትሪ ፕሮፌሰር ዳንኤል ቅጣውን ተመራማሪ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዶክተር ታምራት ሃይሌ መበገሲ ሓሳብ ዘተ ኣቕሪቦም።

ተለዋዋጢ ኩነታት ዓለም ስዒቡ ኢኮኖሚ ሃገራት ኣዚዩ እናተፈተነ ከምዝኾነ ፕሮፌሰር ዳንኤል ኣብ ፅሑፎም ኣብሪሆም።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጠረ ኲናት ሩሲያ ዩክሬን በዚ መዳይ ዝፅራሕ ሓደ ኣብነት ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ኲናት ክልቲአን ሃገራት ድማ ዘይምርግጋዕ ዕዳጋ ዓለምን ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚን ኣስዒቡ ኢዩ።

ኢትዮጵያ እውን ግዳይ እቲ ዓለም ለኸ ቅልውላው ስለዝኾነት፥ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት መፍትሒ ብምስዓብ ካብቲ ፅዕንቶ ንምስጋር ፃዕሪ እናገበረት ትርከብ።

ዓለም ለኸ ፅዕንቶታት ብዘላቕነት ንምፅዋር ሃገራዊ መፍረያይነት ምምሕያሽ ፍሉይ ጠመተ ክግበረሉ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም።

ኣብ ባህሊ ስራሕ ዘሎ ልምዲ ክመሓየሽ ይግባእ ዝበሉ እቶም ፕሮፌሰር፥ “ብፍላይ ትካላት መፍረያይነትን ተወዳዳራይነትን ትኹት ዝገበረ ባህሊ ስራሕ ክሃንፃ ኣለወን” ኢሎም።

ተመራማሪ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዶክተር ታምራት ሃይሌ ብግደኦም፥ ኣብ ዝሓለፉ 100 ዓመታት ኣብ ዓለም ብዝተፈጠረ ተለዋዋጢ ኩነታት ሃገራት ንመፍረያይነት ፍሉይ ትኹረት ንኽህባ ከምዝገበረ ኣብሪሆም።

ካብዚ ተሞክሮ ብምብጋስ ኢትዮጵያውያን ብምትሕብባር መፍረያይ ዝኾነ ባህሊ ስራሕ ክሃንፁ ከምዝግባእ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.