Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት 131 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 1 ሺሕን 408 ሰባት ምርማራ ላቦራቶሪ ቫይረስከኮሮና ከምዝተገበረሎም ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ከምዝበልኡ፥ ካብቶም ምርመራ ዝተገበረሎም ሓደ ሰብ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዘ ተረጋጊፁ።

በቲ ቫይረስ ዝተትሓዛ ውልቀ ሰብ ኢትዮጵያዊት እንትኾና፥ ነባርነተን ባህርዳር ከምዝኾነን በቲ ሕማም ምስዝተትሓዘ ሰብ ርክብ ዘለወን ከምዝኾናን ተሓቢሩ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት 131 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ተዛሪበን።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ሓደ ሰብ ካብቲ ሕማም ዝሓሾ እንትኸውን፥ ክሳብ ሐዚ ቁፅሪ ዝሓሾም ሰባት 59 ከምዝበፅሐ ሓቢረን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.