Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ሰባት ልዕሊ 1 ሺሕ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 5 ሽሕን 34 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 95 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ካብ’ቶም በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ እቶም 94 ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ሓደ ድማ ህንዳዊ ኢዩ ተባሂሉ።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 15 ክሳብ 80 ምዃኖም ዝገለፃ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ፀታኦም ድማ 71 ደቂ ተባዕቲዮ 24 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 56 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ካብ ክልል ትግራይ፣ 5 ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 22 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 1 ሰብ ካብ ክልል ዓፋር ከምኡውን 3 ሰባት ካብ ክልል ሃረር፣ 2 ሰባት ካብ ከተማ ድሬዳዋን 3 ሰባት ድማ ካብ ክልል ሶማሌን ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ 30 ሰባት ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዓዲ ዘለዎም እንትኾኑ፥ 4 ሰባት በቲ ቫይረስ ምስዝተለኸፈ ሰብ ንኽክእ ዝነበሮም ከምኡ እውን 61 ሰባት ድማ ንኽክእ ይኹን ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዓዲ ዘይብሎም ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 1 ሺሕን 63 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ  ክልተ ካብ ክልል ትግራይ ትሽዓተ ድማ ካብ ክልል ዓፋር ብድምር 11 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኸውን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 208 ሰባት ከምዝሐሾም ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.