Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት 23 ምብፅሑ ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት 23 ምብፅሑ ቀዳማይ ሚኒስቴር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኸቲ፥ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ቁፅሪ እናወሰኸ ምምፅኡ ገሊፆም።

ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ምርመራ ላቦራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም ልዕሊ 800 ተጠርጠርቲ፥ እቶም 23 ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺቡዎም ኣሎ ኢሎም።

ክልተ ሰባት ካፍቲ ሕማም ከምዝደሓኑ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም፥ ሕብረተሰብ ካብ ክኢላታት ጥዕና ዝመሓላለፉ መልአእኽቲታትን መምርሒታትን ብግቡእ ብምትግባር ንርእሱ ካፍቲ ቫይረስ ንኽከላኸል ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.