Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት 44 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ላቦራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም 164 ሰባት ሓንቲ ውልቀ ሰብ ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተልኸፋ ተረጋጊፁ።

ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ምርመራ ካብ ሞንጎ ዝተገበረሎም ሰባት እቶም 26 በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፉ ሰባት ንኽክእ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ምዃኖም ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን።

ሎሚ መዓልቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፋ ውልቀ ሰብ ጓል 65 ዓመት ኢትዮጵያዊት እንትኾና፥ ነባሪት ከተማ ዱከምን ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ታሪኽ ዘይብለን ከምዝኾና ተገሊፁ።

እተን ውልቀሰብ ግዳማዊ ንዝኾነ ሕማም ናብ ጣቢያ ጥዕና ድሕሪ ምኻደን ምልክት እቲ ቫይረስ ስለዘርኣያ ኢዩ ምርመራ ተገይሩለን።

ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት 44 ዝበፅሐ እንትኸውን፥ ካብዚኣቶም ድማ ሓደ ውልቀ ሰብ ኣብ ፅኑዕ ሕሙማት መፅንሒ ይርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.