Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 915 ሰባት እንትርከቡ 11 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 8 ሺሕን 957 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 915 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 17 ሺሕን 530 ዝበፅሐ እንትኸውን፥ ካብዚኦም እቶም 10 ሺሕን 304 ሰባት ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ ክብላ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 138 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ዝርከቡ እንትኾኑ፥ 187 ሰባት ድማ ሐሺዎም ኢዩ።

ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 6 ሺሕን 950 በፂሑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 11 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 274 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.