Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 141 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 4 ሺሕን 675 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 141 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 2 ወርሒ ክሳብ 87 ዓመት ምዃኖም ዝገለፃ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 81 ደቂ ተባዕቲዮ 60 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ካብ ዝተረጋገፁ 139 ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ክልተ ድማ ወፃእተኛታት ኢዮም።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 113 ካብ ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 3 ካብ ጋምቤላ ከምኡ̕ውን 6 ሰብ ካብ ክልል ሃረሪ፣ 2 ካብ ክልል ሶማሌ፣ 1 ሰብ ካብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ፣ 1 ሰብ ድማ ካብ ድሬዳዋ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 5 ሺሕን 175 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 58 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 1 ሺሕን 544 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.