Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 3 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት ብድምር 25 ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

እዚ ሓበሬታ ክሳብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን 1 ሺሕን 13 ምርመራ ላባራቶሪይ ከምዝተገበረ ዝገለፀ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 66 ምርመራታት ላቦራቶሪይ ከምዝተኻየደ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝተረኸቡ ኣፍሊጡ።

ካብቶም ሓደሽቲ ዝተትሓዙ እቶም ክልተ ኢትዮጵያውያን ደቂ 30 ን 36 ን እንትኾኑ፥ ብተመሳሳሊ በረራ 15 መጋቢት 2012 ዓ.ም ካብ ዱባይ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ተገዲዶም ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ብምቕማጥ ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ቫይረስኮሮና ከምዘለዎም ምርግጋፁ ተሓቢሩ።

እቲ ሳልሳይ ሕሙም ድማ ወዲ 60 ዓመት ነባሪ ኣዲስ ኣበባ እንትኸውን፥ 6 መጋቢት 2012 ዓ.ም ካብ ፈረንሳይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅአ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብቲ እዋን ጀሚሩ ክትትል እናተገበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ብምርመራ ላቦራቶሪ፥ ቫይረስኮሮና ከምዘለዎ ምርግጋፁ ተሓቢሩ።

ሰለስቲኦም ተሓከምቲ ኣብ ማእኸል ክፍሊ መፅንሒ ብምእታው ክትትል ይግበረሎም ከምዘሎ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.