Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 129 ሰባት እንትርከቡ 1 ኣዶ ድማ ህይወተን ስኢነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 5 ሽሕን 500 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 129 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሓንቲ ጓል 80 ዓመት ኣዶ ድማ ህይወተን ከምዝሰኣና ተገሊፁ።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ካብ ዝተረጋገፁ እቶም 124 ሰባት ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ዝተረፉ ድማ ዜግነቶም ደቡብ ኣፍሪካዊ፣ ሕቡራት ኤሚሬትስ ዓረብ፣ ኣሜሪካ፣ ኤርትራን ሱዳንን ከምዝኾኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 1 ክሳብ 90 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 75 ደቂ ተባዕቲዮ 54 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 101 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ካብ ክልል ትግራይ፣ 5 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 10 ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 6 ካብ ክልል ሶማሌ ከምኡ̕ውን ሓደ ሰብ ካብ ክልል ሃረሪ ሓደ ሰብ  ድማ ካብ ክልል ጋምቤላ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 1 ሺሕን 934 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ሓንቲ ጓል 80 ዓመት ነባሪት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኾና ኣዶ፥ ንኻሊእ ሕክምና ናብ ሆስፒታል ምስከዳ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ኣፈላላይ ብምኽኒያት ቫይረስ ኮሮና ህይወተን ከምዝሰኣና ተገሊፁ።

ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ናብ 20 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ሚኒስቴር ጥዕናን ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ብምኽንያት ሕልፈት ህይወት እተን ኣዶ ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ ንመላእ ቤተሰብ ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

ትማሊ ካብ ክልል ትግራይ 2፣ ዓፋር 6 ፣ ሶማሊ 1 ካብ ኣዲስ ኣበባ ድማ 10 ብድምር 19 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኸውን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 281 ሰባት ከምዝሐሾም ተሓቢሩ።

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.