Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ 30 ተወሰኽቲ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 4 ሺሕን 352 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ 30 ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባተ ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 731 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እቶም በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ ሰባት ኩሎም ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ካብ 9 ክሳብ 60 ብርኪ ዕድመ ዘለዎም 22 ደቂ ተባዕቲዮን ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮን ኢዮም ተባሂሉ።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት እቶም 15 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ካብ ክልል ትግራይ፣ 2 ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 8 ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 1 ሰብ ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 3 ሰባት ካብ ክልል ሃረሪ ከምኡውን 1 ኣሽከርከርቲ ስግረ ዶብ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ 11 ሰባት ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዘለዎም እንትኾኑ፥ 5 ሰባት በቲ ቫይረስ ምስዝተለኸፈ ሰብ ንኽክእ ዝነበሮም ከምኡ እውነ 14 ሰባት ድማ ንኽክእ ይኹን ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዘይብሎም ኢዮም።

ብኻሊእ መዳይ 14 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሐሾምን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 181 ሰባት ከምዝሐሾምን ሓቢረን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.