Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 552 ሰባት እንትርከቡ 15 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 9 ሺሕን 203 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 552 ሰባት እንትርከቡ 15 ሰባት ድማ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 21 ሺሕን 452 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 11 ሺሕን 655 ሰባት ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ ዝበላ ዶክተር ሊያ፥ ካብዚኣቶም ድማ 174 ሰባት ኣብ ማእኸል ክፍሊ ፅኑዕ ክንክን ሕክምና ከምዝርከቡ ኣብሪሀን።

15 ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም 380 በፂሑ ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 388 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም ናብ 9 ሺሕን 415 ክብ ክብል ክኢሉ።

 

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.