Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 169 ሰባት እንትርከቡ 1 ሰብ ድማ ህይወቱ ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 5 ሽሕን 798 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 169 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሓደ ሰብ ህይወቱ ከምዝሰኣነ እውን ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ካብ ዝተረጋገፁ እቶም 168 ሰባት ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ሓደ ሰብ ድማ ናይ ወፃኢ ዓዲ ዘለዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 1 ክሳብ 78 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 111 ደቂ ተባዕቲዮ 58 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ዶክተር ሊያ ሓቢረን።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 138ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ካብ ክልል ትግራይ፣ 11 ሰብ ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 6 ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 4 ካብ ክልል ደቡብ ከምኡ̕ውን ሓደ ሰብ ካብ ክልል ሃረሪን 5 ሰባት ድማ ካብ ክልል ሶማሌ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 1 ሺሕን 805 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ናይ ሓንቲ ጓል 35 ዓመት ኢትዮጵያዊት ህይወት ከምዝሓለፈ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ብዝተገበረ ምርመራ ኣስከሬን እቲ ቫይረስ ከምዝነበራ ተረጋጊፁ ኢዩ።

ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ናብ 19 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

10 ሰባት ካብ ክልል ኣምሓራ፣ ክልተ ሰባት ካብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ብድምር 12 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኸውን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 262 ሰባት ከምዝሐሾም ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.