Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 87 ሰባት እንትርከቡ 2 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 3 ሽሕን 932 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 87 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ክልተ ሰባት ድማ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

እቶም በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ ሰባት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 10 ክሳብ 70 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 59 ደቂ ተባዕቲዮ 28 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 67 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ካብ ክልል ትግራይ፣ 6 ሰብ ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 7 ካብ ክልል ኣምሓራ ከምኡ̕ውን ሓደ ሰብ ካብ ክልል ሃረር 4 ሰባት ድማ ካብ ክልል ሶማሌ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም 28 ሰባት ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዓዲ ዘለዎም እንትኾኑ፥ 18 ሰባት በቲ ቫይረስ ምስዝተለኸፈ ሰብ ንኽክእ ዝነበሮም ከምኡ እውን 41 ሰባት ንኽክእ ይኹን ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዓዲ ዘይብሎም ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 1 ሺሕን 344 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ብኻሊእ ሕማም ክትትል ሕክምና እናተገበረቶም ዝነበረ ክልተ ተሓከምቲ ህይወቶም ብምሕላፉ ንምርመራ ኣስከሬን ናብ ሆስፒታል ምስ መፅኡ ብቫይረስኮሮና ከምዝሞቱ ምርግጋፁ ተገሊፁ።

እቶም ህይወቶም ዝሓለፈ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንትኾኑ፥ ዕድሚኦም ወዲ 30 ዓመት መንእሰይን ጓል 56 ዓመት ኣዶን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ናብ 14 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ሽዱሽተ ሰባት ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ ሸሞንተ ካብ ክልል ሶማሌ ብድምር 14 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኸውን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 231 ሰባት ከምዝሐሾም ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.