Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 20 ሺሕ ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 20 ሺሕን 336 ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓላፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕን 319 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 459 ከምዝተረኸቡ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፀን ፅሒፈን።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ 459 ሺሕን 746 ዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ፥ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ናብ 20 ሺሕን 336 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ካብዚኦም እቶም 11 ሺሕን 380 ሰባት ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ ዝበላ ዶክተር ሊያ፥ ካብዚኣቶም ድማ 185 ሰባት ኣብ ማእኸል ክፍሊ ፅኑዕ ክንክን ሕክማና ዘድሊዮም ከምዝርከቡ ኣብሪሀን።

ኣብ ፀብፃብ 24 ሰዓታት 13 ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም 356 በፂሑ ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ 358 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም ናብ 8 ሺሕን 598 ክብ ክብል ክኢሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.