Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 689 ሰባት እንትርከቡ 15 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 10 ሺሕን 605 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 689 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 66 ሺሕን 913 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ 15 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 1 ሺሕን 60 በፂሑ ኣሎ።

ትማሊ 420 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ብድምር ድማ 27 ሺሕን 85 ሰባት ካፍቲ ሕማም ድሒኖም ናብ ገዝኦም ተመሊሶም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 300 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.