Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ ኩለን ወረዳታት ብመገዲ ኣስፋልት ንምርኻብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ ኩለን ወረዳታትን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘራኽቡ መገዲታትን ብመገዲ ኣስፋልት ንምርኻብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ዕዮ ምስ ሚኒስቴር ትጋንስፖርትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ብምዃን መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ኣመልኪቱ ኣብ ዝዛተየሉ ዘሎ መድረኽ ኢዩ እቲ ትልሚ ብዝምልከት ዝገለፀ።

እቲ ዘተ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ኣብተ ሎሚ መዓልቲ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ ኩለን ወረዳታትን ምስከተማታት ጎረባብቲ ሃገራት ዘራኽቡ መገዲታትን ብመገዲ ኣስፋልት ንምርኻብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።

ነዚ ንምቅልጣፍ ዘኽእሉ 21 መንገዲታት ንምህናፅ ትልሚ ከምዝተትሓዘ እውን ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዓውዲ ንልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ክፍጠር ይኽእል ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ እውን ተገሊፁ።

ዘፈር መገዲ ንምዕባለ ኢኮኖሚ ዓቢዪ ብፅሒት ዘለዎም ዘፋራት ሕርሻ፣ ነዳዲ፣ ቱሪዝምን ኢንዱስትሪን ኣብ ዝሕግዙ ስራሕቲ ትኹረት ከምዝግበር እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.