Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ወዲ 9 ኣዋርሕ ህፃን ሓዊሱ 8 ተወሰኽቲ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ 8 ተወሰኽቲ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም።

በቲ ቫይረስ ካብ ዝተለኸፉ እቲ ሓደ ወዲ 9 ኣዋርሕ ህፃን እንትኸውን፥ ኣዲኡ እውን ብቫይረስኮሮና ከምዝተትሓዘት ተገሊፁ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝበልኡ፥ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ምርመራ ላቦራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም 264 ሰባት ብዘይካ ሓንቲ ኤርትራዊ እቶም ዝተረፉ ብሙሉኦም ኢትዮጵያውያን ኢዮም።

በቲ ሕማም ከምዝተትሓዙ ካብ ዝተረጋገፀሎም ሸሞንተ ተወሰኽቲ ሰባት እቶም ሰለስተ ካብ ዱባይ ዝመፅኡን ኣብ ማእኸል ፈሊኻ መፅንሒ ክትትል እናተገበረሎም ከምዝነበረን ተሓቢሩ።

ካብዚኦም እታ ሓንቲ፥ ኣዶ ወዲ 9 ኣዋርሕ ህፃን ከምዝኾነት ድማ ተገሊፁ።

ካብ ታይላንድ ብምምፃእ ኣብቲ ማእኸል ዝፀንሐት ጓል 25 ኢትዮጵያዊትን ታሪክ ጉዕዞ ወፃኢ ሃገር ዘይብሉ ወዲ 19 ዓመት ኢትዮጵያውን ከምዝርከቦም እውን እተን ሚኒስትር ተዛሪበን።

እቲ መንእሰይ ብቫይረስ ኮሮና ምስ ዝተትሓዘ ሰብ ምንኽኻእ ነይርዎ ኢዩ ብዝብል ኣብ ማእኸል ፈሊኻ መፅንሒ ከምዝበነበረ እውን ገሊፀን።

ካብዚሓሊፉ በቲ ቫይረስ ምትሓዛ ዝተረጋገፀት ኤርትራዊት ጓል 30 ዓመት እንትትከውን፥ ካብ እንግሊዝ ለንደን ብምምፃእ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ፈሊኻ መፅንሒ ክትትል እናተገበረላ ዝፀንሐት ከምዝኾነት ሓቢረን።

ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 52 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ምትሓዞም ተረጋጊፁ ኣሎ።

ካብዚኦም እቲ ሓደ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ኣብ ዝድቅስ ማእኸል ከምዘሎ እውን ተገሊፁ።

ብተወሳኺ እቶም ኣርባዕተ ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ክልተ ድማ ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.