Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስ ኮረና ብዘደንግፅ ኩነታት ይስኽ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብዘደንግፅ ኩነታት እናወሰኸ ከምዝኾነ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኢንስቲትዩት፥ ‘‘መዓልታዊ ምልክታት መጠንቀቕታ እናመሓላለፍን እንተኾንና እውን ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ምዝንጋዕን ዝርገሐ እቲ ለበዳ ምውሳኽን ምኅንያት አቲ ለበዳ እናወሰኸ ይርከብ’’ ኢሉ።፡፡

ስለዝኾነ ድማ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ፣ ህይወቶም ዝስእኑን ናብ መሐከሚ ፅኑዕ ሕሙማን ዝኣትዉን ሰባት ቁፅሪ ብዘደንግፅ ኩነታት ምውሳኹ ካብቲ ኢንስቲትዩት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ፣ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት፣ ትካላት ሃይማኖት፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት፣ ሰብ ሞያ ጥዕና፣ መማህራንን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝኸፍአ ፀገም ከየስዕብ ብሓባር ክከላኸሉ ከምዝግባእ ፃውዒት ቀሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.