Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ዝርከበሉ ደረጃ ንምፍላጥ ብብርኪ ሃገር መፅናዕቲ ከምዝካየድ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ዝርከበሉ ደረጃ ንምፍላጥ ብብርኪ ሃገር መፅናዕቲ ከምዝካየድ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዝካየድ መፅናዕቲ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ውድብ ጥዕና ዓለምን ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት ዩኒቨርሲቲ ኦሃዮን ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

እቶም ትካላት ብዛዕባ እቲ ዝካየድ መፅናዕቲ መፅናዕቲ ሓበራዊ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም፡፡

እቲ ብሓባር ዝካየድ መፅናዕቲ ብብርኪ ሃገር ኣብ ኩለን ክልላት ኣብ ከተማን ገፀርን ዘሎ ኩነታት ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምፍላጥ ከምዝሕግዝ ኣብ እዋን መግለፂኦም ኣፍሊጦም፡፡

ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብመንፅር ዘለዎ ዝኻዕበተ ልምዲ እቲ ብብርኪ ሃገር ዝካየድ መፅናዕቲ ዝተፈላለዩ ትካላትን መሓዙት ትካላትን ብምትሕብባር ነቲ መፅናዕቲ ንኽመርሕ ሓላፍነት ከምዝተውሃቦ ተሓቢሩ፡፡

ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ እቲ ለበዳ ሕማም ንምክልኻል ኣብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣድላዪ ሓበሬታ ብመሃብ ምትሕብባር ንኽገብሩ ሕቶ ምቕራቡ ካብቲ ኢንስቲትዩት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.