Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ድርቂ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት ለበዳ ሕማም ከይኽት ይስራሕ ኣሎ – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ድርቂ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት ለበዳ ሕማም ከይኽት እናሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቲ ድርቂ ብዘስዐቦ ሕፅት ምግቢን ማይን ከምኡ እውን ብምኽንያት ለውጢ ንብረት ኣየር ለበዳ ናይ ምውላዕ ዕድሉ ሰፊሕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ብምኽንያት እቲ ድርቂ ከም ኮሌራን ንፍየን ዝበሉ ለበዳታት ከይኽሰቱ ከታበት ምሃብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጠን።

ኣብ ክልል ሶማሌ ዝረከቡ ኣርባዕተ ወረዳታት ን200 ሺሕ ሰባት ክታበት ኮሌራ ከምዝተውሃበ እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

ሕማም ንፍዮ ዝተርኣየሎም ውሱናት ከባቢታት ስለዝነበሩ እውን ቅልጡፍ ምላሽ ብመሃብ ሕክምና ንኽረኽቡ ተገይሩ ኢዩ ኢለን።

ኣብ ቀረባ እዋን ንትሕቲ ሓሙሸተ ዓመት ዝኾኑ ህፃናት ክታበት ንፍዮ ምሃብ ከምዝጅመር እውን ኣፍሊጠን።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ሓበሬታ ልዑል ሕፅረት ምግቢ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሮ ኣይወስኽ እምበር ቀስ ብቐስ ክኽሰት ስለዝኽእል ኣድላዪ ሓገዝ ሃናፂ ምግቢን ሕክምናን ዘድልዮም ናይ ምፍላይ ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ብኣልኣዛር ታደለ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.