Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ጥንኩር ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዘኽእሉ ስራሕቲ ክሳለጡ ኢዮም – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ጥንኩር ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝስርሑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር  ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ኣፈ ጉባኤታት ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪን ሚኒስትራትን ዘካተተ ልኡኽ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ዝራእቲ ሕርሻ ዑደት እናገበረ ይርከብ።

ኣብቲ እዋን ዑደት ብኩታ ገጠም ዝተዘርአ ስርናይ፣ ምሸላ ባሕሪን፣ ዝተመሓየሹ ፍርያታት ኣቮካዶን ፓፓያን ከምኡ እውን ፍርያታት ኣዳጉራ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ጥንኩር ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዘኽእሉ ስራሕቲ ክስርሑ ኢዮም።

“ጥንኩር ኢኮኖሚ ዝሃነፀት ሃገር ሓድነታን ብዙሕነታን ሓሊያ ክትቅፅል ትኽእል፣ ዝኾነ ኣካል ዘንቕንቖን ዘነቓንቖን ኣይኸውንን” ኢሎም።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብትግሃትን መስዋእትነትን ኣቦታቱ ዝወረሶ ክብሪ ናፅነት ተቐባልነት ንኽህልዎ ዝሐሸ ኢኮኖሚ ምህናፅ ግድን ከምዝኾነ ኢሎም ኣይተ ደመቀ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ እናተርኣየ ዝርከብ ፅቡቕ ተሞክሮ ናብ ካልኦት ከባቢታት ክሰፍሕ ከምዝግበር እውን ኣብሪሆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ብግደኦም፥ እቲ ክልል ንስራሕቲ ልምዓት ዝተፈለየ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብ ሒደት ዓማውቲ ጀሚሩ ኣብ ሜላ ኣተሓራርሳ ኩታ ገጠምን ስራሕቲ መስኖን ዝተፈለየ ትኹረት ተዋሂቡ ዝሐሸ ውፅኢትታ እናተረኸቡ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።

ተሳተፍቲ እቲ ዑደት ዝኾኑ ሚኒስትራት እውን ዝተዓዘቡዎ ስራሕቲ ልምዓት ሕርሻ ተስፋ ዝህብን ብዙሕ ምስራሕ ከምዝከኣልን ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.