Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ 59 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ዝኾኑ ሰባት ቁፅሪ ስልኪ ከም ይሕለፍ-ቃል ይጥቀሙ – መፅናዕቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ተጠቀምቲ ግልጋሎት ኢንተርኔት 59 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ዝኾኑ ቁፅሪ ስልኪ ከም ይሕለፍ-ቃል /password/ ከምዝጥቀሙ መፅናዕቲ ሓቢሩ።

እቶም ተገልገልቲ ኢንተርኔት ቁፅሪ ስልኪ ምጥቃሞም ፅኑዕ ይሕለፍ-ቃል ከምዝተጠቐሙ ይስመዖም ተባሂሉ።

ብብርኪ ዓለም መጥቃዕቲ ሳይበር ብልዑል መጠን እናዓበየ ምምፅኡ እውን ተገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መጠን ግንዛበ ድሕንነት ሳይበር ትሑት ከምዝኾነ ድማ መፅናዕቲ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን የረድእ።

እቲ ኤጀንሲ ኣብ 2011 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ 1 ሺሕን 635 ግለሰባት ሃገር ለኸ መፅናዕቲ ፈተና መጥቃዕቲ ሳይበር ኣሳሊጡ ነይሩ።

ኣብቲ መፅናዕቲ ካብ ዝተሳተፉ ሰባት ውሽጢ ድማ እቶም 975 (59 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ) ዘኣኽሉ፥ ቁፅሪ ስልኪ ከም ይሕለፍ-ቃል /password/ ብምጥቃም ፅኑዕ ይሕለፍ-ቃል ከምዝተጠቐሙ ከምዝስመዖም እቲ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ።

59 ነጥቢ 1 ዝኣኽሉ ተሳተፍቲ እቲ መፅናዕቲ ድማ ናይ ይሕለፍ-ቃሎም ኣብ ዝረአ ቦታ ፅሒፎም ብምቕማጥ ከም መዘኻኸሪ ከምዝጥቀሙ ገሊፆም ኢዮም።

67 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ዝኾኑ ተሳተፍቲ እቲ መፅናዕቲ፥ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝፍነዉ ሓበሬታታት ሓቀኛ ኢዮም ኢሎም ከምዝኣምኑ እውን ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ፥ ጉዳይ ድሕንነት ሳይበር ብሸለልታ ክሕለፍ ዘይግበኦን ኣካል ዕለታዊ ህይወት ሰባት እናኾነ ይመፅእ ስለዘሎ ግቡእ ኣድህቦን ጥንቃቐን ክንገብረሉ ከምዝግባእን ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ነቲ ዘካየዶ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ኣተሓሳሲቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.