Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ድሬዳዋ ዝኣተዉ ሰብ ሃፍቲ ፍርያቶም ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ምቕራብ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ድሬዳዋ ዝኣተዉ ሰብ ሃፍቲ ፍርያቶም ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ምቕራብ ጀሚሮም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ዋና መካየዲ ስራሕ እቲ ፓርክ ኣይተ ካሚል ኢብራሂም፥  እቲ ፓርክ ን2 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ገሊፆም።

ኣብ ዘሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 6 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ክርከብ ከምዝኸኣለ እውን ኣይተ ካሚል ተዛሪቦም።

ናብ ስራሕ ካብ ሞንጎ ዝኣተዉ ኩባኒያታት መፍረዪ ከረጢት ሃን ፕላስ ሲሚንቶ፣ መፍረዪ ጫማ ሃንደሪያን መፍረዪ ፈትሊ ዊሽ ተፀራሕቲ ኢዮም።

ይኹን እምበር ብዙሓት መሰረተ ልምዓታት ዝተማልኡሉ ይኹን እምበር ፀገም ቀረብ ማይ ከምዘሎ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሪቑ ናብ ስራሕ ዘኣተወ እቲ ፓርክ፥ 150 ሚሊየን ዶላር መህነፂ ወፃኢ ተገይሩ ኢዩ።

ብዙፋን ካሳሁን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.