Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሚሶም ዝርከብ መበል 32 ሞተራይዝድ ሻለቃ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣድሂቡ ምዝታዩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣሚሶም ዝርከብ መበል 32 ሞተራይዝድ ሻለቃ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣድሂቡ ምዝታዩ ተገሊፁ።

ነቲ ዘተ ዝመርሑ ኣዛዚ ሴክተር ሰለስተ ብርጋዴር ጀነራል ዘውዱ ሰጥኣርጌ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብዚ ዘሎ መራሒ ይኹን ተመራሒ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ ክሕደት ብምኹናን ኢትዮጵያን ኣህጉር ኣፍሪካን ዝሃቦም ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ብቖራፅት ክዋፅኡ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

እቲ ጉጅለ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ምክልኻል ምክፍፋል ንኽፍጠር ፃዕሪ ይገብር ከምዝነበረ ዝገለፁ እቶም ኣዛዚ፥ ይኹን እምበር እቲ ሰራዊት ዝተውሃቦ ልኡኽቶን ዝተላበሶም እሴታትን እንተይሸርሸረ ሕዚ ንዝበፅሖ ሰብእናን ጥንካረ ስነ-ልቦናን ከምዝበቕዐ ኣገንዚቦም፡፡

ኣባላት እቲ ሰራዊት ብግደኦም፥ ሰራዊት ምክልኻል ብዝተፈፀሞ ክሕደት እንተይተሸርሸረ ነቲ ጉጅለ ብምድምሳስ ህዝቢ ትግራይን ከባቢኡን ናፃ ከውፅእ ምኽኣሉ ዘኹርዕ ተግባር ኢዩ ምባሎም ካብ ሰራዊት ምክልኃል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.