Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 86 ሽሕ በፂሑ።

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 86 ሽሕን 12 ምብፅሑ ተገሊፁ።

እዚ ድማ ኣብ ካልኦት ሃገራት ካብ ዝተርኣየ መጠን በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ንላዕሊ ክኸውን ገይሩዎ ኣሎ።

ብመሰረት ፀብፃብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፥ ኣሜሪካ ካብ ቻይናን ጣልያንን ንላዕሊ ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ከምዘመዝገበት ገሊፁ።

ቻይና 81 ሺሕን 897 በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ዘመዝገበት ሃገር እንትትከውን፥ ጣሊያን ድማ 80 ሺሕን 589 ክበፅሕ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ ኣሜሪካ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ግን 1 ሺሕን 306 ጥራሕ ኢዮም ከምዝኾኑን ካብ ካልኦት ሃገራት ዝሐሸ ንፅፅር ከምዘለዎን ተገሊፁ።

እቲ ፀብፃብ ኣብ ቻይና 3 ሺሕን 174፣ ኣብ ጣሊያን 8 ሺሕን 215 ከምኡ እውን ኣብ ስፔን 4 ሺሕን 858 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከም ዝሞቱ ዕላዊ ገይሩ።

ኣብ መላእ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሪ 551 ሺሕን 337 በፂሑ ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.