Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ ርብዒ ሚሊየን ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ ርብዒ ሚሊየን ሓሊፉ።

ኣብታ ሃገር ህይወቶም ዝሓለፈ ሰባት 250 ሺሕን 29 ዝበፅሐ እንትኸውን፥ ክሳብ ሕዚ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ድማ ናብ 11 ነጥቢ 5 ሚሊየን ከምዝተፀገዐ ሓበሬታ ዩኒቨርሲቲ ጆን ሆፕኪንስ የመላኽት፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ በቲ ቫይረስ ካብ ሞንጎ ዝተጎድኣ ሃገራት ዓለም ቀዳመይቲ ኮይና ኣላ፡፡

ብብኪ ዓለም ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ልዕሊ 56 ሚሊየን 564 ሺሕን በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት እውን ልዕሊ 1 ሚሊየንን 354 ሺሕን በፂሑ ኢዩ፡፡

ኣሜሪካ፣ ህንዲ፣ ብራዚል፣ ፈረንሳይን ሩሲያን እቲ ቫይረስ ብልዑል ብርኪ ካብ ዝጎድአን ሃገራት ብቕድሚት ዝስረዓ ኢየን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.