Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ብቫይረስኮሮና ዝሞቱ ሰባት ቁፅሮም ልዕሊ 100 ሺሕ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣመሪካ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስኮሮና ዝሞቱ ሰባት በዝሖም 100 ሺሕን 276 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ኣብታ ሃገር ብሓፈሻ በቲ ሕማም ዝተለኸፉ በዝሒ ሰባት 1 ነጥቢ 69 ሚልየን ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

እዚ ድማ ካብ’ቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተርኣየ መልከፍቲ ቫይረስኮሮና 30 ሚኢታዊ እዩ ተባሂሉ።

ኣመሪካ ብሰንኪ ቫይረስኮሮና 100 ሺሕን 276 ዝሞትዋ እንትኾኑ፥ ኣብቲ ዝሓለፈ 44 ዓመታት ኣብ ኮርያ፣ ቬትናም፣ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ክትዋጋእ እንከላ ምስ ዝተቐተሉ በዝሒ ወተሃደራታ እንትነፃፀር ዳርጋ ማዕረ እዩ።

ዛጊት ብደረጃ ዓለም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ በዝሒ ሰባት ኣስታት 5 ነጥቢ 6 ኢዮም።

ህይወቶም ዝሰኣኑ ድማ 354 ሺሕን 983 ሰባት ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.