Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ብዘጋጠመ “ኣውሎ ንፋስ ኢያን” ሕይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ቁፅሮም 109 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ብዘጋጠመ ኣውሎ ንፋስ “ኢያን” ሕይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ቁፅሮም 109 በፂሑ።

ህይወቶም ካብ ሞንጎ ዝሰኣኑ ሰባት እቶም 105 ነበርቲ ፍሎሪዳ ከምዝኾኑ ሲ ኤን ኤን ፀብፂቡ፡፡

ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ብምኽንያት ምግማስ መሬት ልዕሊ 400 ሺሕ ነበርቲ ፍሎሪዳ ሓይሊ መብራህቲ ከምዝተቛረፆምን ኣብ ፀልማት ከምዝርከቡን ተሓቢሩ፡፡

በቲ ምግህማስ መሬት ብዙሓት ነበርቲ ፍሎሪዳ ገዛ ኣልቦ ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ፡፡

ትማሊ ገዛኢ ፍሎሪዳ ዝኾ ሮን ዴሳንቲስ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ኣብ 79 ሺሕ ዝኾኑ ቦታታት ኣለሻ ከምዝተገበረን ስራሕቲ መድሕን ህይወት ከምዝተሳለጡን ተሓቢሩ፡፡

እቲ ኣውሎ ንፋስ ካብ 45 ክሳብ 55 ቢሊየን ብር ዶላር ዝበፅሕ ኢኮኖሚያዊ ጉድኣት ከምዘስዐበ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.