Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ካብ 20 ሚሊየን ሓሊፉ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ካብ 20 ሚሊየን ሓሊፉ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊፁ።

ሰብ መዚ ማእኸል ምቁፅፃር ሕማማት እታ ሃገር ከምዝገለፁዎ እንተኾይኑ፥ ኣብ ኣሜሪካ ብውሑዱ 20 ሚሊየን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኢዩ።

ትኽክለኛ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ሕዚ ካብ ዝተገለፀ ቁፅሪ ብ10 ዕፅፊ ዝዛየደ ክኸውን ከምዝኽእል ኢዩ እቲ ማእኸል ዝሓበረ።

እቲ ሓበሬታ ክወፅአ ዝኸኣለ፥ ኣብ ቴክዳስ ገደብ ምንቅስቓስ ምልሕለሑ ንኽቕፅል ምውሳኑ ስዒቡ ኢዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣሜሪካ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዝበፅሐ እንትኸውን፥ 126 ሺሕን 785 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.