Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓት ብቫይረስ ኮሮና 1 ሺሕን 150 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓት ብቫይረስ ኮሮና 1 ሺሕን 150 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ኩነታት እታ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ብብርኪ ዓለም ዝለዓለ ሞት ዘመዝገበት ኮይና ኣላ።

ፈረንሳይ ካብ ኣሜሪካ ቀፂላ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ፥ ብቫይረስኮሮና 830 ሰባት ህይወቶም ዝሰኣኑላ ሃገር ከምዝኾነት ተገሊፁ።

ስፔን ድማ ትማሊ 630 ሰባት ብቫይረስኮሮና ሞይቶም ኢዮም።

ኣብ ኣሜሪካ ዛጊድ ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ 10 ሺሕን 783 ዝበፅሐ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራሕ ልዕሊ 30 ሺሕ ሰባት ብቫይረስኮሮና ከምዝተለኸፉ ተገሊፁ።

እዚ ድማ ቁፅሪ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ናብ 367 ሺሕ ክብ ኣቢልዎ ይርከብ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.