Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ሲቪክ ማሕበራት መንግስቲ ካብ ስልጣን ንምውራድ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ኣሜሪካ ስጉምቲ ንክትወስድ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ሲቪክ ማሕበራት ሕጊ ኣሜሪካ ብምጥሓስ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ስልጣን ንምውራድን ንጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምድጋፍ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ትካላት ስጉምቲ ንክወስድ ሓቲቶም፡፡

ዓለም ለኸ ቤት ምኽሪ ኢትዮ-አሜሪካውያን፣ ዓለም ለኸ ፈንድ ኣክሽን ኢትዮጵያ፣ ቤት ምኽሪ ልምዓት ኢትዮ-አሜሪካን ሕብረት ሓለዋ መሰላት ዲሞክራሲን ሰብኣውን÷ ናብ ቤት ፅሕፈት ምርመራ ገበንን ፍትሕን ኣሜሪካ ደብዳበ ኣእትዮም፡፡

ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል መጥቓዕቲ ብምብፃሕ ዝጀመሮ ኩናት መንግስቲ ናብ ስጉምቲ ሕጊ ምኽባርን ወፍሪ ህልውናን ምእታው ኣብቲ ደብዳበ ኣመላኺቶም፡፡

ብግብረ ራዕዲ ዝተፈረጀን ብገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ጃምላዊ ጨፍጫፍን ተሓታቲ ዝኾነ ትካልንናብ ስልጣን ንምምላስን ነቲ ሕጋዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ስልጣን ንምውራድ ሽርሒ ዝሰርሑ ውልቀሰባት÷ ንዘመናት ዝፀንሐ ክልቲኣዊ ርክብ ኢትዮ-አሜሪካ ዘበላሽው ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ተግባር ዝተሳተፉ ውልቀሰባት ናብ ሕጊ ንክቀርቡን ተሓታትነቶም ተረጋጊፁ ብገበን ንክኽሰሱን እቶም ማሕበራት ናብ ቤት ፅሕፈት ምርመራ ገበንን ፍትሕን ኣሜሪካ ኣብ ዘእተውዎ ደብዳበ ሓቲቶም ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

“ንሕና ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሃገር ንምፍራስ ዝካየድ ምንቕስቃስ #የኣክል  ብምባል ንቃወም ኢና” ክብሉ እውን ኣፍሊጦም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.