Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣብዝሓ ከባብታት ትግራይ ስሩዕ መጠን ዝናብ ይዘንብ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብዚ ዓመት ኣብ ኩሉ ከባብታት ትግራይ ስሩዕ ዝኾነ መጠን ዝናብ ከም ዘሎ ኤጀንሲ ማእኸል ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ  ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣፍለጡ።

ኣብቲ ኤጀንሲ መተሓባበሪ ቅድመ መጠንቀቕታ ኩነታት ዝናብ ኣይተ ዳርጌ ፍቓዱ ከም ዝሓበርዎ፥ ሎሚ ዓመት ኣብ ትግራይ ዘሎ ክራማት ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ኣብ ኣብዝሓ ከባብታት ዝሓሸ ስሩዕ ዝናብ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኩነታት መጠን ዝናብ ኣብ ሰለስተ ከፊልካ ከም ከምዝርአ ዝሓበሩ ኣይተ ፍቓዱ፥ እዙይ ድማ ልዕሊ ስሩዕ፣ ስሩዕን ትሕቲ ስሩዕን ተባሂሉ ዝፍለጥ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ብብርኪ ዞባ ዘሎ ዝርገሐ ዝናብ እንትርአ ኣብ ዞባ ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ማእኸላይን ስሩዕ ዝኾነ ዝናብ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ኣብ ዞባ ምብራቕ፣ ደብብን ደብብ ምብራቕን ድማ ዝናብ ድሒሩ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝጀመረሉ ኩነታት ከምዝነበረን ቐፃልነቱ እውን ዘስግእ ከምዘይኾነን ገሊፆም።

ብድርቂ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ካባብታት ኣብ ስራሕቲ ዕቀባ ጠሊ ክነጥፍ ከም ዝግባእ ኣይተ ዳርጌ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ነሓሰ ካብቲ ዝተለመደ መጠን ዝናብ ዝሕይለሉ ኩነታት ክህሉ ስለዝኽእል ሕብረተሰብ ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲው ቅድመ ጥንቃቐ ክገብር ከም ዝግባእ እውን ኣጠንቂቖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.