Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣውሮፓ ብሕማም ቫይረስ ኮሮና ንፈለማ ግዘ ህይወት ሓደ ሰብ ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃገራት ኣውሮፓ ካብ ውሽጢ ብሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ንፈለማ እዋን ህይወት ሓደ ሰብ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

እተን ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ህይወተን ዝሓለፈ ጓል 80 ዓመት ሽማግለ፥ ንዑደት ካብ ቻይና ግዝኣት ሁቤይ ዝመፅኣ ምዃነን ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብመሰት እዚ ድማ ካብ ሃገራት ኤስያ ወፃኢ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ዝተመዝገበ ፈላማይ ሞት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቻይና ግዝኣት ሁቤይ ከተማ ዉሃን ዝተርኣየ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና፥ ኣድማሱ ብምስፋሕ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም እናተዛመተ ይርከብ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ሓበሬታ፥ ኣብ ቻይና ጥራሕ ልዕሊ 1ሺሕ 500 ሰባት በቲ ቫይረስ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሪ ድናማ ናብ 66 ሺሕ 492 ክብ ምባሉ ሚኒስቴር ጥዕና ቻይና ኣፍሊጡ ኢዩ።

ብተመሳሳሊ ዜና፥ ኣብ ኣፍሪካ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ፈላማይ ሰብ ኣብ ግብፂ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.