Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣውሮፓ ካብ መጠን ዝሓለፈ ርጉዲ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ምብፅሑ ፀብፃብ ኣመልኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣውሮፓ ካብ መጠን ዝሓለፈ ርጉዲ “ለበዳ ብዝመስል መልክዕ” ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ምብፅሑ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።

ትማሊ ኣብ ዝተኻየደን ትኹረቱ ካብ መጠን ንላዕሊ ርጉዲ ዝገበረን ኣኼባ ዕላዊ ዝኾነ ፀብፃብ ኣብ ዜጋታት ኣውሮፓ መጠን ርጉዲ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ምምፅኡ ኣመልኪቱ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ርጉዲን ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማትን ይውስኽ ኣሎ ዝበለ እቲ ፀብፃብ፥ ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2025 ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝኾነ ርጉዲን ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማትን ንምንካይ ዘቐመጦ ሽቶ ኣብ ኣውሮፓ ተማልእ ሃገር ትህሉ ኢያ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዘይግበር ኣመልኪቱ።

ኣብ ኣውሮፓ ኣብ ዓመት ብምኽንያት ካብ መጠን ዝሓለፈ ርጉዲ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዜጋታት ህይወቶም እንትሓልፍ፥ 200 ሺሕ ድማ ንሕማም ካንሰር ከምዝተቓልዑ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 59 ሚኢታዊ በፃሓት ኣውሮፓውያን ካብ መጠን ብዝሓለፈ ርጉዲ ዝጥቅዑ እንትኾኑ፥ 7 ነጥኒ 9 ሚኢታዊ ወይ እውን 4 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዝኾኑ ዕድሚኦም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት እውን ናይዚ ፀገም ግዳያት ኮይኖም ኢዮም ኢሉ።

እቲ ፀብፃብ፥ ኣብ ልዕሊ ጥዑማት መስተታት ግብሪ ምውሳኽ፣ ንቆልዑት ጥዑያት ዘይኮኑ ምግቢታት ካብ ምፍላጥ ምእጋድ ከምኡ እውን ኣብ ንጥዕና ጠቐምቲ ኣብ ዝኾኑ ምግቢታት ድጎማ ምግባር ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሃገራት ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ ርጉዲ ምቁፅፃር ዝከኣለሉ ኩነታት ኣብ ስርዓት ጥዕና ምዝርጋሕ ከምዝግበአን ምሕባሩ ኣር ቲ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.