Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ርክብ ዘለዎምን ዘይሕጋውያን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ብዝተወሰደ ስጉምቲ ዘይሕጋዊ መሳርሒታትን ሰነዳትን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ርክብ ዘለዎምን ካልኦት ዘይሕጋውያን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ብዝተወሰደ ስጉምቲ ብዙሓት ዘይሕጋዊ መሳርሒታትን ዝተፈላለዩ ሰነዳትን ይተሓዙ ኣለዉ።

ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምስ ካብ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ብዝበፅሖ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 3 ኤድናሞል ህንፃ ኣብ ዝርከብ ናይ ሓደ ውልቀሰብ መኽዚን ብዝገበሮ ሃንደበታዊ ፍተሸ21 መራኸቢ ራዲዮ፣ ኣብ ቤተ መንግስቲ ጥራሕ ዝርከብ ሓደ ጋሻ፣ ሓደ ክላሽንኮቭ መሳርሒን ልዕሊ 30 መሰል ጠያይቲን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕል ተግይሩ።

ብተመሳሳሊ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ወረዳ 3 ኣትላስ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ መንበሪ ገዛ ሓደ ውልቀሰብ ብዝተገበረ ፍተሻ ሓደ ሽጉጥ ምስ መሰል ጠያይቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ፡፡

ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከተማ ወረዳ ሓደ ቀበሌ 19 ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛ ሓደ ውልቀ ሰብ ኣካላት ፀፅታ ብዝገበሩዎ ፍተሻ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተዳለዉ 18 ናይ ኢትዮጵያ ፓስፖርት፣ 3 ናይ ልደት ካርድታት፣ 13 ልምዲ ስራሕ፣ 10 መረዳእታታት ሕክምና፣ 22 ናይ ወሳኒ ኩነት መሰነይታታት፣ 6 ዝተፈላለዩ ናይ ባንኪ ደፋትር፣ 7 ዝተፈላለዩ መለለዪ መንነት፣ ሓደ ካሜራ፣ 4 ማሕተምን ሓደ ዝኸበረ እምኒን ዝተረኸበ እንትኸውን፥ እቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕል ከምዝተገበረ ፍልፍላትና ገሊፆም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.