Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ ፌስቲቫል ባህሊ ካብ ዝቕፅል ሰንበት ጀሚሩ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝቕፅል ሰንበት ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕን 300 ሺሕ ሰባት ክሳተፉሉ ኢዮም ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉን ፌስቲቫል ባህሊ ክካየድ ኢዩ።

ሓላፊት ቢሮ ባህሊ፣ ኪነ-ጥበባትን ቱሪዝምን ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሂሩት ካሳው፥ መበል 13 ከተማ ሓቆፍ ፌስቲቫል ባህሊ ብምምልካት መግለፂ ሂቦም።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ፌስቲቫል ክብሪ ማሕረሰብ፣ ባህሊን ፅቡቓት ዝኾኑ ማሕበራዊ ክብሪታትን ምፍላጥ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ኣብ ኩለን ክልላት ዝሳለጡ ባህላዊ እሴታት ኣብታ ከተማ ዝርከባ 11 ክፍለ ከተማታት ንምርኢት ከምዝቐርቡ ኢየን ገሊፀን ዘለዋ።

ባህሊ ብሄር ብሄረሰባት፣ ውፅኢታት ኢደ ጥበብ፣ ባህላዊ ኣፈታትሓ ጎንፂን ካልኦት ክንውናትን ንህዝቢ ከምዝፋለጡ ዝገለፃ እቲን ሓላፊት፥ እቲ ፌስቲቫል ኣፍረይቲን ሸየጥቲን ምትእስሳር ዕዳጋ ንኽፈጥሩ ዝሕግዝ ከምዝኾነ እውን ገሊፀን።

ካብዚ ብተወሳኺ ባህላዊ ምግቢን መስተን፣ ክዳውንቲ፣ ውድድር ዲዛይንን ካልኦት ኩነትን ክሳለጡ ኢዮም ኢለን።

ፃውዒት መንግስቲ ተቐቢሎም ናብ ሃገሮም ዝመፅኡ ኣባላት ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኣብታ ከተማ ዝተዳለዉ ባዛርን ፌስቲቫላትን መጠቓለሊ ንኽኸውን ሰፊ ምድላው ከምዝተገበረ ዶክተረ ሂሩት ምግላፀን እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.