Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘይሕጋዊ ትሕዝቶታት መሬት እናፍረሰ ምዃኑ ምምሕዳር እታ ከተማ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ እዋናዊ ኩነታት ሽፋን ብምግባር ወረራ መሬት እናተራኣዩ ምዃኖም ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለ ከተማታት ወረራ መሬት ከምዝተርኣየ ገሊፁ።

ምምሕዳር እታ ከተማ ብግዲኡ ዘይሕጋዊ ትሕዝቶታት መሬት እናፍረሰ እንትኸውን፥ እቲ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ኩነታት ሽፋን ብምግባር ዝግበር ወረራ መሬት ካብ ምፍራስ ብተወሳኺ እቲ ተግባር ዝፈፀሙን ዝተሓባበሩን ኣካላት ብሕጊ ንኽሕተቱ ከምዝገብር ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.