Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ሶላት ዒድ ኣል ፈጥር ብሰላም ምዝዛሙ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 1 ሺሕን 442 ስነ-ስርዓት ሶላት ዒድ ኣል ፈጥር ብሰላም ከምዝተዛዘመ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን፥ ብዙሓት ተኸተልቲ እምነት እስልምና ኣብ ዝተረኸቡሉ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዙሪያ እቲ ስታዲየም ዝርከቡ ጎደናታትን ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ሶላት ረመዳን በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ብሰላም ከምዝተዛዘመ ገሊፁ፡፡

እቲ በዓል ብሰላም ንኽኽዘም ትልሚ ብምውፃእ ብዚሕት ሓይሊ ሰብ ኣብ ምክልኻል ገበን ኣዋፊሩ ምስ ዝምልከቶም ሓይሊታት ፀፅታን፣ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ኣዲስ ኣበባን ብምትሕብባር ከምዝሰርሐ ኣፍሊጡ፡፡

ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ ድማ ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ ጎኒ ኣካላት ፀፅታ ጠጠው ብምባል፥ ግቡእ ምትሕብባርን ጉዳይ ፀፅታ ይምልከተኒ ኢዩ ዝብል ኣመለኻኽታ ብመሓዝን ንዕዉትነት ስራሕቲ ፀፅታ እቲ በዓል ብፅሒቱ እናተዋፅአ ከምዝኾነ እውን እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ መልእኽቱ፥ ነባሪ እናበርከቶ ንዝርከብ ቅኑዕ ምትሕብባር ከምኡ እውን ደኺሙኒ ሰልኪዩኒ እንተይበሉ ሓላፍነቶም ብግቡእ ንዝተዋፅኡ ኩሎም ኣካላት ፀፅታ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

ሕብረተሰብ ፀፅታ እታ ከተማ ንምኽባር እናበርከቶ ዝርከብ ኣስተዋፀኦ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ፃውዒት ምቕራቡ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.