Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ካብ ኑጉሆ ሰዓት 11፡30 ጀሚራ መበል 125 በዓል ዓወት ዓድዋ ክተኽበር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 125 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ካብ ኑጉሆ ሰዓት 11፡30 ጀሚሩ ከምዝኽበር ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣፍሊጠን።

እተን ምክትል ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ከምዝገለፀኦ፥ ፅባሕ ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ካብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈታት ምስ ዝመፅኡ ተሳተፍቲ እቲ በዓል ብምዃን ንምኽባር ምድላው ተዛዚሙ ኢዩ፡፡

ወይዘሮ ኣዳነች፥ መበል 125 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ኣመልኪተን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን ኣለዋ፡፡

መበገሲትን መአከቢትን ናብ ዓድዋ ዝዘመቱ ዘመትቲ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ፥ ምስ ሚኒስቴር ቱሪዝምን ብምትሕብባር ኩርዓት ፀለምቲ ህዝቢታት ዝኾነ ዓወት ዓድዋ ብድሙቕ ኩነታት ከምዝኽበር እውን ኣብሪሀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.